x

ብዛዕባ ፕሮግራም እንግሊዝኛ ንዓበይቲ ስደተኛታት (AMEP)

  • ክሳብ 510 ሰዓታት ናጻ ትምህርቲ እንግሊዝኛን ናጻ ኣገልግሎት ናብዮት ቈልዑን ተጠቃሚ ኹን (ብቑዕ እንተ ዀይንካ)።
  • ኣብ ኣውስትራልያ ኽትነብር፡ ክትሰርሕን ክትመሃርን ዜኽእለካ ግብራዊ እንግሊዝኛ ኣጽንዕ።
  • ከመይ ገይርካ ተጠቃሚ ኣገልግሎታት መንግስትን ማሕበረ-ሰብን ከም እትኸውን ተመሃር።
  • ናብ ኣውስትራልያ ኣብዚ ቐረባ ጊዜ ዝገዓዙ ኣዕሩኽ-መሓዙት ኣጥርይ።
  • ንኽትሰርሕ ወይ ክትመሃር ተዳሎ፡ ብዛዕባ መጻኢኻ ድማ ወጥን።

መምዘንታት ብቑዕነት

  • ናብ ኣውስትራልያ ዜእቱ ብቑዕ ቪዛ ስደተኛ ተዋሂቡካ ኣሎ። ብኽብረትካ ደብዳበ ቪዛ ካብ እተቐበልካላ ዕለት ኣትሒዝካ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ተመዝገብ።
  • ናይ ስድራቤት፡ ክኢላ፡ ሰብኣዊ፡ ናይ ኣሚን ወይ ዝጸደቐ ጊዝያዊ ቪዛ ኣለካ።*
  • እንግሊዝኛ ክትዛረብ/ክተንብብ/ክትጽሕፍ ኣይትኽእልን ወይ እንግሊዝኛኻ ክተመሓይሾ ኣይትደልይን።
  • ዕድመኻ ልዕሊ 18 እዩ። ካብ 15-17 ዝዕድመኦም ገለ ሓደስቲ መጻእተኛታት መንእሰያት'ውን ብቑዓት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

*ዝጸደቐ ጊዝያዊ ቪዛታት ንናይ ስራሕን ዕረፍትን ቪዛ፡ ናይ ጊዜ ዕረፍቲ ናይ ስራሕ ቪዛ ወይ ናይ በጻሕቲ ቪዛታት ከም ዘየካትት ብኽብረትካ ኣስተውዕል።

ተዓጻጻፊ ኣማራጽታት ትምህርቲ

  • ኣብ መላእ ኲንስላንድ ኣብ ዚርከባ ቦታታት ምሉእ ጊዜኻ ወይ ኣብ ትርፊ ጊዜኻ ተመሃር።
  • ምሉእ ጊዜኻ ወፊኻ ክትመሃር ምስ ዘይትኽእል፡ ናብ ቤትካ እናመጽአ ብዚምህረካ ወለንተኛ እናተሓገዝካ ተመሃር።
  • ብመገዲ ኢንተርነት ኣቢልካ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ተመሃር።
  • ኣብ ኣውስትራልያ ምስ ኣተኻ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት ናይ ፕሮግራም እንግሊዝኛኣ ንዓበይቲ ስደተኛታት (AMEP) ትምህርትኻ ዛዝሞ።

ኣብ ክፍሊ እንታይ እየ ክመሃር?

  • ንደረጃ ብቕዓት እንግሊዝኛኻ ኣብ ዚምጥን ክፍሊ ተጸንበር።
  • ኣብ እትመሃረሉ እዋን፡ ሰራሕተኛታት ማሕበረ-ሰብና ከምኡ'ውን ኣካያዲ ፕሮግራም እንግሊዝኛ ንዓበይቲ ስደተኛታት (AMEP) ይተሓጋገዙኻ።
  • ብዛዕባ ኣውስትራልያዊ ቦታታት ስራሕ፡ ቋንቋ፡ ባህልን ልምድታትን ተመሃር።
  • ድሩት ትምህርቲ ወይ ንናይ ምምሃር ዓቕምኻ ዚዕንቅጽ ጸገማት እንተ ነይሩካ፡ ተጠቃሚ ተወሳኺ ስልጠና እንግሊዝኛ ኹን።
  • እንግሊዝኛ ኣብ እትመሃረሉ ጊዜ፡ ተጠቃሚ ናጻ ኣገልግሎት ናብዮት ቈልዑ ኹን (ከከም ብቑዕነት ዚወሃብ)።
  • ንቃለ-መጠይቓት ተቐረብ፡ ደረጃ ትምህርትኻን ተመኵሮ ስራሕካን ዚገልጽ ጸብጻብ (resume) ጸሓፍ።
  • ክሳብ 80 ሰዓታት ተመኵሮ ስራሕ ደልብ።

ብኸመይ እምዝገብ?

ሕጂ ሕተት

OR

ደውል፦ (07) 3244 5488

OR

ጥቓኻ ናብ ዚርከብ ቦታ TAFE ኲንስላንድ ብጻሕ።
ናይ ፓስፖርትን ቪዛኻን ሓበሬታ ቅሩብ ግበሮ።

ኣብዚ ጠውቕ

 

ምስ ኣካያዲ ኣገልግሎት ጕዳያት ፕሮግራም እንግሊዝኛ ንዓበይቲ ስደተኛታት (AMEP) ኰይንካ ገምጋም ብቕዓት ቋንቋ እንግሊዝኛ ውሰድ። 

 

ኣካያዲ ኣገልግሎት ጕዳያት ፕሮግራም እንግሊዝኛ ንዓበይቲ ስደተኛታት (AMEP) ኣብ ሓደ ኽፍሊ ኺምድበካ እዩ።

 

 

 ብዛዕባ እንህቦ ትምህርቲ እንግሊዝኛ እምበኣር ሕጂ ሕተት

 

The AMEP is funded by the Australian Government Department of Education and Training.
In Queensland, the AMEP is delivered through TAFE Queensland.