Personalise my view
Personalise my view

😊 Personalise my view

We use cookies, including those from third-party providers, to enhance your online experience and deliver personalised advertisements. By using our website, you consent to our use of cookies and our privacy policy

ADULT MIGRANT ENGLISH PROGRAM

ብቑዕ ዲኻ?

ዝተመሓሸ ቋንቋ እንግሊዝ
ዝተመሓሸ ሕይወት
ንሓደሽቲ በጻሕቲ ናጻ ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ

ብዛዕባ ፕሮግራም እንግሊዝኛ ንዓበይቲ ስደተኛታት (AMEP)

  • ኣብ ኣውስትራልያ ኽትነብር፡ ክትሰርሕን ክትመሃርን ዜኽእለካ ግብራዊ እንግሊዝኛ ኣጽንዕ።
  • ከመይ ገይርካ ተጠቃሚ ኣገልግሎታት መንግስትን ማሕበረ-ሰብን ከም እትኸውን ተመሃር።
  • ናብ ኣውስትራልያ ኣብዚ ቐረባ ጊዜ ዝገዓዙ ኣዕሩኽ-መሓዙት ኣጥርይ።
  • ንኽትሰርሕ ወይ ክትመሃር ተዳሎ፡ ብዛዕባ መጻኢኻ ድማ ወጥን።

መምዘንታት ብቑዕነት

  • እንግሊዝኛ ክትዛረብ/ክተንብብ/ክትጽሕፍ ኣይትኽእልን ወይ እንግሊዝኛኻክተመሓይሾ ኣይትደልይን።
  • ዕድመኻ ልዕሊ 18 እዩ። ካብ 15-17 ዝዕድመኦም ገለ ሓደስቲ መጻእተኛታት መንእሰያት'ውን ብቑዓት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

*ዝጸደቐ ጊዝያዊ ቪዛታት ንናይ ስራሕን ዕረፍትን ቪዛ፡ ናይ ጊዜ ዕረፍቲ ናይ ስራሕ ቪዛ ወይ ናይ በጻሕቲ ቪዛታት ከም ዘየካትት ብኽብረትካ ኣስተውዕል።

ተዓጻጻፊ ኣማራጽታት ትምህርቲ

  • ኣብ መላእ ኲንስላንድ ኣብ ዚርከባ ቦታታት ምሉእ ጊዜኻ ወይ ኣብ ትርፊ ጊዜኻ ተመሃር።
  • ምሉእ ጊዜኻ ወፊኻ ክትመሃር ምስ ዘይትኽእል፡ ናብ ቤትካ እናመጽአ ብዚምህረካ ወለንተኛ እናተሓገዝካ ተመሃር።
  • ብመገዲ ኢንተርነት ኣቢልካ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ተመሃር።

ኣብ ክፍሊ እንታይ እየ ክመሃር?

  • ንደረጃ ብቕዓት እንግሊዝኛኻ ኣብ ዚምጥን ክፍሊ ተጸንበር።
  • ኣብ እትመሃረሉ እዋን፡ ሰራሕተኛታት ማሕበረ-ሰብና ከምኡ'ውን ኣካያዲ ፕሮግራም እንግሊዝኛ ንዓበይቲ ስደተኛታት (AMEP) ይተሓጋገዙኻ።
  • ብዛዕባ ኣውስትራልያዊ ቦታታት ስራሕ፡ ቋንቋ፡ ባህልን ልምድታትን ተመሃር።
  • ድሩት ትምህርቲ ወይ ንናይ ምምሃር ዓቕምኻ ዚዕንቅጽ ጸገማት እንተ ነይሩካ፡ ተጠቃሚ ተወሳኺ ስልጠና እንግሊዝኛ ኹን።
  • እንግሊዝኛ ኣብ እትመሃረሉ ጊዜ፡ ተጠቃሚ ናጻ ኣገልግሎት ናብዮት ቈልዑ ኹን (ከከም ብቑዕነት ዚወሃብ)።
  • ንቃለ-መጠይቓት ተቐረብ፡ ደረጃ ትምህርትኻን ተመኵሮ ስራሕካን ዚገልጽ ጸብጻብ (resume) ጸሓፍ።

 ብዛዕባ እንህቦ ትምህርቲ እንግሊዝኛ እምበኣር ሕጂ ሕተት

AMEP and TAFE Queensland logo

The AMEP is funded by the Australian Government Department of Home Affairs. In Queensland, the AMEP is delivered through TAFE Queensland.

Related news and events